ኣሜሪካን ኢራንን ካብ ዝኣተወኦ ወጥጥ ክወፃ ይግባእ - ፈረንሳይን ሩስያን

መቐለ 04 ጥሪ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣሜሪካን ኢራንን ሐዚ ካብ ዝኣተወኦ ዝተጓሃሃረ ወጥጥ ክወፃ መራሕቲ ሃገራት ፈረንሳይን ሩስያን ሓቲቶም።

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ወጥሪ ሐዚ ናብ ዝኸፍአ ምውሳድ ስጉምትን ሕነ ምፍዳይን ከም ዝተሰጋገረ ፀብፃብ RT News የመልክት።

እዚ ጉዳይ ዘተሓሳሰቦም መራሕቲ ፈረንሳይን ሩስያን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዋሽንግተንን ቴህራንን ሐዚ ካብ ዝኣተወኦ ህልክን ዝተጓሃሃረ ወጥርን ወፃኢን ኣፈላላይ ብዘተን ዲፕሎማስያዊ መንገድን ክፈትሓ ይግባእ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ ኢራንን ካልኦት ሓያላት ሃገራት ዓለምን ዝተበፅሐ ስምምዕ ኑኩሌር ተግባራዊ ዝኾነሉ ዕድል ምምችቻው ከም ዘድሊ ድማ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ሸምገልቲ ኣካላት ክሳተፉ ከምዝግባእ ድማ እቶም መራሕቲ ኣመልኪቶም ክብል RT News ፀብፂቡ።