ኢትዮ-ቴሌኮም ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምፍፃም ዘኽእሎ ፕሮጀክት ዕላዊ ገይሩ….

መቐለ 22 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምፍፃም ዘኽእሎ ፕሮጀክት ዕላዊ ጌሩ።

እቲ ትካል ዕለታዊ ወፃኢኦም ምሽፋን ንዘይኽእሉ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምሕጋዝ ብዝብል ልዕሊ 16 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ፕሮጀክት ዕላዊ ከምዝገበረ ድማ ተሓቢሩ።

ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ እቲ ፕሮጀክት ኣብ 45 መንግስታዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝርከቡን መዓልታዊ ወፃኢኦም ምሽፋን ንዘይኽእሉን ልዕሊ 4 ሽሕ ተምሃሮ ተረባሕቲ ዝገብር እዩ።

ኢትዮ-ቴሌኮም ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ምግባር ዝጀመረ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ 13 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኮይኑ ን853 ተምሃሮ ተረባሕቲ እናገበረ ከምዝመፀ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ኩባንያ ካብ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ተምሃሮ ሓዊሱ፣ ኣረጋውያን፣ ጉድኣት ኣካል፣ ፅጉማት ክፋላት ሕብረተሰብ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብቑጠባ ተረባሕቲ ይገብር ከምዘሎ ኢዚኣ ፀብፂቡ።