ሰብ ሃፍቲ ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ይዋፈሩ ኣለዉ ተባሂሉ…

መቐለ 08 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኬንያውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ይዋፈሩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋፈሩ ልዕሊ 60 ኩባንያታት ዝተሳተፍሉ ወርክ ሸፕ ቢዝነስ ትማሊ ተሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ምክትል ዳይሬክተር ዲፕሎማሲ ጉዳያት ቁጠባ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ፍሬድሪክ ማትዋን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ቁጠባ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድልውቲ ምዃና ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ቁጠባዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምጥንኻር ቅድሚ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሰብ ሃፍቲ ሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከም ዝገበሩ እውን ኣዘኻኺሮም እዮም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብወገኖም ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኬንያን ናብ ቁጠባ ክሳጋገር እቲ ኤምባሲ ንትኹረት ከም ዝሰርሕ ሓቢሮም።

ኬንያውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ፋይናንስ ፣ ኣፍረይቲ ንቐረብ ምህርቲ ናውቲ ሕክምናን መሸጣን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።