ካብ ትግራይ ናይ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ ምህርትታት ልዕሊ 29 ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ…

መቐለ 22 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ትግራይ ክልል ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ ናይ ሕርሻ፣ መዓድንን ውፅኢት ኢንዳስትርን ልዕሊ 29 ሚልዮን ዶላርን ዩሮን ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

ካብቶም ዝተልኣኹ ልዕሊ 179ሽሕ ኩንታል ምህርትታት ሰሊጥ፣ ኣትኽልቲ ከምኡ እውን ፍራምረ፣ ጨርቃ መርቂ፣ ቅመማ ቅመምን መዓድንን መዓርን ከምዝኾኑ ኮሚሽን ጉምሩክ ፌደራል ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ዕዳጋ ሰሊጥ ብምንባሩ ልዕሊ 20 ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ናብ ወፃኢ ተላኢኹ ከምዝነበረ ፀብፃብ ኢዚኣ የረድእ።