ሰለስቲካዊ ዘተ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሎሚ ኣብ ግብፂ ክጅመር እዩ

መቐለ 22 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሰለስቲኣዊ ዘተ ሎሚ ኣብ ግብፂ ካይሮ ክጅመር እዩ፡፡

ተወከልቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብቲ ዘተ ብተዓዛብነት ከምዝሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እቲ ሎሚን ፅባሕን ዝካየድ ዘተ ካብ 5-6 ሕዳር 2012 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ ስለስቲአን ሃገራት ዝተልዓሉ ጉዳያት ዘድህብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደኦ ዘተ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ቅዋምን ብምቕራብ ብስፍሓት ከምዝዘተያሉ ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ ካይሮ ንዝካየድ ዘተ እተን ሃገራት ዝምራሓሉ ሰነድ ከምዝተዳለወ ተሓቢሩ ኣሎ ከም ፀብፃብ FBC