ክሮሽያን ጀርመንን ኣኼባ ኔቶን ሕብረት ኣውሮፓን ብሓባር ንምትእንጋድ ተስማዕሚዐን…

መቐለ 22 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ክሮሽያን ጀርመንን ቐፃሊ ዓመት ዝሳለጥ ሓበራዊ ኣኼባ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሕብረት ኣውሮፓን ብሓባር ንምትእንጋድ ተስማዕሚዐን ተባሂሉ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ክሮሽያ ዳሚር ክርስቲሳቪችን ጀርመናዊ መዘነኦም ኣንግሬት ክራምፕ ካረንቢወርን ኣኼባ ኔቶን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ክሮሽያዊት ከተማ ስፕሊት ብሓባር ንምትእንጋድ ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለዉ።

እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ሚኒስትራት ምክልኻል ሃገር ኣውሮፓ ካብ 8-9 ሰነ 2020ዓ.ም ፈረንጂ ከምዝሳለጥ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ክሮሽያ ዳሚር ክርስቲሳቪች ኣብ ዓውድታት ፀጥታን ድሕንነትን ኣውሮፓ ጀርመን ኣገዳሲት መሓዛ ብምዃና ክሮሽያ ምስ ጀርመን ዘለዋ ምትሕብባር ዝያዳ ንምጥንኻር ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ምክልኻል ጀርመን ብግዲኦም ሃገራት ኣውሮፓ ምስ ኔቶ ተሓባቢረን ምስረሐን ዘለዎ ረብሓ ዝዓዘዘ ምዃኑ ኣመልኪቶም።