ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሊቢያ ትሪፖሊ ስሩሑ ክጅምር እዩ ተባሂሉ…

መቐለ 22 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሊቢያ ትሪፖሊ ኣብ ዝቕፅል 12 ታሕሳስ 2019ዓ.ም ፈረንጂ ስሩዕ በረራ ከምዝጅምረ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር መጓዓዝያ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ መንግስቲ ሊቢያ ትማሊ ከምዘፍለጦ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላዋት እናወገነ እዩ።

ሓደሽቲ ምዕባለታት እቲ ፕሮጀክት ንምግምጋም ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 12 ታሕሳስ 2019ዓ.ም ፈረንጂ ጀሚሩ ስሩዕ ስርሑ ከሳልጥ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብዝተፈፀሞ መጥቃዕቲ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ኮይኑ ኩሎም በረራታት ድማ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 200 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሚሱራታ ዝርከብ ዓለም ለኸ መዕርፊ ነፈርቲ ተዘዋዊሩ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።