ውድብ ጥዕና ዓለም ወፍሪ ማሕበራዊ ሚድያ HIV/AIDS/ ጀሚሩ

መቐለ 20 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መናእስይ ኣፍሪካ ዘሎ ግንዛበ HIV /AIDS/ ንምዕባይ ዘኽእሎ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚድያ ዕላዊ ጌሩ፡፡

እቲ ውድብ መበል 31 ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ HIV/AIDS/ ምኽንያት ጌሩ ኣብ ኬንያ ዕላዊ ዝገበሮ ወፍሪ ምክልኻልን ምዕባይ ግንዛበን HIV/AIDS/ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐንዱ ኣብ መናእሰይ ኣፍሪካ ዘሎ ግንዛበ እቲ ሕማም ንምዕባይ እዩ፡፡

እቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ ዝካየድ ወፍሪ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ንልዕሊ 1 ሚልዮን ኣፍሪካውያን መናእሰይ ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣህጉረ ኣፍሪካ ማቲሺዲሶ ሞኣቲ ከምዝበልዎ እቲ ወፍሪ ብሚልዮን ዝቑፀሩ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብቲ ሕማም ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይን ትኽክለኛ ሓበሬታ ክረኽቡ ንምግባርን ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም 2018 ዓ/ም/ፈ ብብርኪ ዓለም እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ካብ ዘለዎም ሰባት ካብ 1.5 – 1.6 ሚልዮን ዝኾኑ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ዝርከቡ እዮም፡፡