ዘተ ሰላም ሶርያ ኣብ አጀንዳ ብዘይምስምዕማዕ ተፈላልዮም

መቐለ 20 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ተናሓናሕቲ ሓይልታት ሶርያ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሓዱሽ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገርን አመልኪቶም ኣብ ጀኔቫ ዘካየድዎ ዘተ ብዘይውፅኢት ከምዝተበተነ ተሓቢሩ፡፡

ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ሶርያ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘጣየሽዎ ኮሚቴ መርቀቒ ሕገ-መንግስቲ ዘካየድዎ ዘተ ከይተዓወተ ዝተረፈ ብምክንያት ተወከልቲ መንግስቲ እታ ሃገር ምዃኑ ተቃወምቲ ገሊፆም፡፡

ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጀመረ ዘተ ሰላምን ምጥያሽ ሕገ-መንግስቲ ሶርያን ኣብ 2012 ዓ/ም/ፈ ዝተሓንፀፀ ሕገ-መንግስቲ ሶርያ ብምምሕያሽ ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘላ ሶርያ ናብ ሓዱሽ መንገዲ ዲሞክራሲ ዘሰጋግር ምዃኑ ፀብፃባት ይገልፁ፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ልኡኽ ሶርያ ጌየር ፔደርሰን ንጋዜጠኛታት ከምዝበልዎ ድማ ኩሎም ተናሓናሕቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ብቐንዱ ኣብቲ ዝተትሓዘ ኣጀንዳ ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ከምዘይኸኣሉ ገሊፆም፡፡