ኣብ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓያል ሓደጋ ዉሑጅ 250ሽሕ ህዝቢ ተጠቒዑ

መቐለ 19 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓያል ሓደጋ ዉሑጅ 250ሽሕ ህዝቢ ከምዝተጠቕዐ መንግስቲ እታ ሃገርን ዉድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣፍሊጦም።

ኣብታ ንኡሽተይን ስትራተጂካዊትን ሃገረ ጅቡቲ ዝዘነበ ኣብ ኽልተ ዓመታት ክዘንብ ዝግበኦ ዝናብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ምዝናቡ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሓያል ሓደጋ ዉሑጅ ከቢድ ክሳራ ከምዘስዓበ ዉድብ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ገሊፆም ኣለዉ።

እቲ ትማሊ ዝተውሃበ ሓበራዊ መግለፂ ከምዘመላኽቶ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ወታሃደራዊ ትሕዝቶታት ኣሜሪካን ቻይናን ሓዊሱ ብዘ ዘጋጠመ ሓደጋ ዉሑጅ ኣስታት 250 ሚልዮን ሰባት ክጥቅዑ ክኢሎም ኣለዉ።

ጅቡቲ ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር መጠን ማይ ባሕርታት ብምዉሳኽ ካብ ዓለም ብቐዳምነት ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ድማ ሓያል ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእልን ቁፅሪ በቲ ሓደጋ ዝጥቅዑ ሰባት እዉን ብኡ መጠን ክዉስኽ ከምዝኽእልን ትንበያታት ሜትሮሎጂ ከምዘመላኽቱ ኣፍሪካን ኒውስ ፀብፂቡ።