ሕ/ሰብ ካብ ሕማም ዓሶ ዓርሱ ክከላኸል ፃውዒት ቀሪቡ

መቐለ 07 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሕ/ሰብ ዝተዓደሎ ዛንዜራ ብዝግባእ ሒዙ ክጥቀመሉን፣ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ጠንቅታት መራብሒ ጣንጡ ዝኾነ ቦታታት ክንክን ብምግባር፣ ለበዳ ሕማም ዓሶ ክኸላኸል፣ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ወረዳ ሓውዜን ፀዊዑ።

ኪኢላ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ሙዑዝ በርሀ ዎ፣ 16 ጣብያታት ወረዳ ሓውዜን ብሕማም ዓሶ ተጠቃዕቲ ከምዝኾና ብምሕባር፣ ኣብዘን ጣብያታት ዝርከብ ሕ/ሰብ በቲ ሕማም ከይጥቃዕ ዝተፋላለየ ስራሕቲ ምክልኻል ይስርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ዛጊድ ልዕሊ 61 ሽሕ ዛንዜራ ከምዝተዓደለ ዝሓበሩ ኣይተ ሙዑዝ፣ ንሕ/ሰብ ኣብ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን ዛንዜራን፣ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማምዓሶ ዝጠመቱ ስልጠናታት በብጣብይኡን ኣብዝተረኸ በኣጋጣምን እናተውሃበ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ሕ/ሰብ ዝተዓደሎ ዛንዜራ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ኣብ ምግባር ክፍተት ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ሙዑዝ፣ እዚ ፍፁም ጌጋ ምኻኑን ሕ/ሰብ ዝተዓደሎ ዛንዜራ ብዝግባእ ሒዙ ክጥቀመሉን፣ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ጀቕጀቓት ብምድፋን፣ ሳዕርታት ብምዕፃድ፣ ሆረየታት ብምዝራግን ሰብሞያ ጥዕና ዝህብዎ ሓበሬታ ብምትግባርን ዓርሱ ካብ ለበዳ ሕማም ዓሶ ንኽከላኸል እቲ ቤት ፅሕፈት ፀዊዑ ኣሎ።