ኢህወዴግ ኣብ ዙርያ ዉህደት ብኣብዝሓ ድምፂ ኣብ ስምምዕ በፂሑ

መቐለ 07 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ዙርያ ዉህደት ዝተኻየደ ዝርዝር መፅናዕቲ ዘትዩ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ዉህደት እቲ ግምባር ዝተኻየደ መፅናዕቲ ድሕሪ ምዝታይ ብ6 ተቐዉሞን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣይተ ፍቓደ ተሰማ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ኮሚቴ ኣብ ማዕቐፍ እቲ ዉህደት ትኹረት ክግበረሎም ዝግባእ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብስፍሓት ከምዝተዘተየሉ ሓቢሮም።

በዚ ድማ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉን ዓርሰ ምምሕዳር ኣብ ዝጉልብተሉን ኩነታት ትኹረት ሂቡ ከምዝዘተየ ተዛሪቦም።

ብዙሕነት ቋንቋ፣ ናይ ብሄርን ሃገራዉን መንነት ሚዛኑ ብዝሓለወ መልክዑ ንኽጠናኸር ዝብሉ ዛዕባታት እዉን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተዘትየሎም ወሲኾም ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ማእኸል ዝገበረ ፍትሓዊ ዉክልና ኣብ ዉሽጢ እቲ ሓዱሽ ዉሁድ ፓርቲ ንክህሉ ብዝርዝር ከምዝተዘተየሉ እዉን ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ናይ ሎሚ ዉዕሎኡ ድማ እቲ ዉሁድ ፓርቲ ንምምስራት ኣብ ዝተሓንፀፀ ረቒቕ ፕሮግራም ክዝቲ ትፅቢት ከምዝግበር FBC ፀብፂቡ።