ቀፃሊ ሰለስቲኣዊ ዘተ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ክካየድ እዩ

መቐለ 07 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጥ ሰለስቲኣዊ ዘተ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ግብፂ ከተማ ካይሮ ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሳለጥዎ ዘተ ትማሊ ኣማስዩ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ነቲ ዝተኻየደ ሰለስቲኣዊ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ማይ ፣ መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ እቲ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝተሳለጡ ዘተታት ዝበለፀ ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ምንባሩ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛን ኣሳድዳን ማይ ዘድሃበ ምንባሩ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተነፀሩ 6 ነጥብታት ሓሳብ ምሃቦም ሓቢሮም።

እተ ሃገራት ዝተስማዕምዓሎም ነጥብታት ብሓምለዋይ ፣ ዘይተስማዕመዓሎም ድማ ብቐይሕ ብምምዝጋብን ሕድሕድ ሃገር መብርሂ ክህባ ብምግባር ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ እዉን ሓቢሮም።

ቀፃሊ ኣብ ግብፂ ካይሮ ካብ 23-24 ሕዳር 2012 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ዘተ ድማ ሰለስቲአን ሃገራት ዝምርሓሉ ሰነድ ከምዝተዳለወ ኣረዲኦም ከም ፀብፃብ FBC ።