ሕማም ኢቦላ ንምዕጋት መዳርግቲ ኣካላት ዉሽጥን ወፃእን ክሕግዙ ፃውዒት ቀሪቡ

መቐለ 07 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ሕማም ኢቦላ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ምዉሳኹ ስዒቡ ለበዳ እቲ ሕማም ንምዕጋት ኣፍሪካውያንን ዓለም ለኻውያንን መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝ ንኽገብሩ ሕብረት ኣፍሪካ ፀዊዑ።

ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካን ፍሉይ ኤጀንሲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ ፀብፃብ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 2193 ከምዝበፅሐ ኣመልኪቱ እዩ።

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ 10 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ሰባት እዋን 43 ሰባት ሞይቶም በቲ ሕማም ቁፅሪ ዝሞቱ ካብ 2150 ናብ 2193 ከምዝዓበየ ዘመልከተ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ በቲ ሕማም ቁፅሪ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ 3287 በፂሑ ምህላዉን ሓቢሩ ኣሎ።

ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪካ ኣሚራ ኤልፋዲል ንዥንዋ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ እቲ ለበዳ ንምዕጋት ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝዳሎ ሓቢረን ኣለዋ።