ሓፈሻዊ እቶት ዉሽጢ ዓዲ ሩዋንዳ ብ8.5 ሚኢታዊ ከምዓቢ እዩ ተባሂሉ

መቐለ 07 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሓፈሻዊ እቶት ዉሽጢ ዓዲ ሩዋንዳ ብ8.5 ሚኢታዊ ከምዓቢ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ባንኪ ሩዋንዳ ከምዘፍለጦ ሓፈሻዊ እቶት ዉሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣብ 2019 ዓ.ም.ፈ ብ8.5 ሚኢታዊ ኣብ 2020ዓ.ም.ፈ ድማ ብ8.1 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝኽእል ተንብዩ ኣሎ።

ገዛኢ ሃገራዊ ባንኪ ሩዋንዳ ጆን ርዋንጎምብዋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኮሚቴታት እቲ ባንኪ በብርብዒ ዓመቱ ተኣኪቦም ኣብ ፖሊሲ ገንዘብን ፋይናንሳዊ ምርግጋዕን እታ ሃገር ተኣኪቦም እናገምገሙ ከምዝፀንሑ ብምሕባር ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 8.4ሚኢታዊ ዝነበረ ሓፈሻዊ እቶት ዉሽጢ ዓዲ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናብ 12.2 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ብዘተኣማምን ብቕዓት ዓውድታት ኢንዱስትሪ፣ ኣገልግሎትን ሕርሻን ዝተረጋገፀ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ።

ቁጠባ ሩዋንዳ ብሳላ ዝተረጋገዐ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት፣ ኣብ ፅቡቕ ጉዕዞ ዝርከብ ኢንቨስትመንት ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት፣ ቀፃልነት ዘለዎ ንግድን ዓርሰ እምነት ተጠቀምትን ኣብ ድልዱል ኩነታት ከምዝርከብ ምግላፁ ድማ CGTN Africa ፀብፂቡ ኣሎ።