ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ምሕደራ መሬትን ትኹረት ተጌሩ ክስራሕ እዩ ተባሂሉ

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ዝረኣዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ምሕደራ መሬትን ንምፍታሕ ኣብዚ ዓመት ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝተስረሐሉ ተገሊፁ፡፡

ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክፍለ ከተማ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዘመላክቶ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ምሕደራ መሬት ሰናይ ምምሕዳር ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ልቓሕ ብእዋኑ ኣብ ምምላስን ዓበይቲ ፀገማት ኣለው፡፡

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ዘለው ፀገማት ኣብዚ ዓመት ብቐንዲ ንምፍታሕ ብትልሚ ተነፂሮም ከምዘለው ዝገለፁ እቲ ቤት ፅሕፈት ሕቲ ህዝቢ መሰረት ብምግባር ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ምፍታሕ ፀገም ምሕደራ መሬት፣ ምንካይ መጠን ድክነትን ልቓሕ ብእዋኑ ኣብ መምላስን ዓበይቲ ጉዳያት እዮም፡፡

ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ሰለሙን ትኩእ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ክፍለ ከተማ ዝረኣዩ ኣጠቓላሊ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምፍታሕ ምስ ሕርበብ መድረኻት ዘተ ክካየዱ እዮም፡፡

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ልዕሊ 17 ሚልዮን ቅርሺ ዘይተመለሰ ልቓሕ ከምዘሎን ኣብ ከባቢታት ደብርን ኣይናለምን ዘሎ ፀገም ምሕደራ መሬት ኣብ ምፍታሕን ትኹረት ዘድልዮም ምዃኖም ድማ ተሓቢሩ ኣሎ ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክፍለ ከተማ ኪኢላ ፕረስ ተስፋማርያም ኣስመላሽ ፀብፂቡ፡፡