ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ ክጅምር እዩ

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮዽያ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወዴግ) ስሩዕ ኣኬብኡ ሎሚ ክጅምር እዩ፡፡

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሎሚ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብዕምቆት ክዝቲ እዩ ተባሂሉ፡፡

ከምኡ እውን ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮዽያ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወዴግ) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብዕምቆት ብምዝታይ ቐፀልቲ ኣንፈታት ከቐምጥ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ክብል ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ግንባር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት፡፡