ርክብ ኢትዮዽያን ቻይናን መርኣያ ርክብ ቻይና ኣፍሪካ እዩ ተባሂሉ፡፡

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢትዮዽያን ቻይናን ዘለወን ሓበራዊ ሰናይ ርክብ ንርክብ ቻይና ኣፍሪካ መርአያ ምዃኑ ኣብ ኢትዮዽያ ኤምባሲ ቻይና ገሊፁ፡፡

2ቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 50 ዓመት ክብረ በዓል ኣብ 2010 ዓ/ም/ፈ ሓዱሽ ዓመት ከም ዝኽበር ድማ ተፈሊጡ፡፡

ኣብ ኢትዮዽያ ኤምባሲ ቻይና ኣማኻሪት ጉዳያት ኢኮኖሚ ሊ ዩ ከምዝገለፀኦ ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ እዩ ኢለን፡፡

ብፍላይ ምስ ኢትዮዽያ ዘለዋ 2ቲኣዊ ምሕዝነት ስትራተጂካዊ ምዃኑ ዝገለፃ እተን ኣማኻሪት ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት መንግስትን ህዝብን 2ቲኤን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብሩ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምዝተሰርሑ ገሊፀን፡፡

ብቐፃሊ ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ኮንስትራክሽንን ካልኦት ዓውድታትን ስራሕቲ ምትሕብባር ከምዝካየዱ ገሊፀን፡፡

2ቲኤን ሃገራት ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ቑጠባውን ዓውድታት ዝተጠናኸረ ርክብ ከምዝነበረን ድማ ተሓቢሩ፡፡

ቻይና ኢትዮዽያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 43 ሃገራት ሰፊሕ ምንቅስቓስ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ብምክያድ ርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ተጠናኽር ከምዘላ ፀብፃብ ይገልፁ፡፡