ኣብ ኣፍሪካ ተረባሕነት መናእሰይ ትኩረት ምሃብ የድሊ-ፕረዚደንት ኬንያታ

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መሪሕነት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ትኹረት ብምግባር ቐፃልነት ዘለዎ ልምዓት ከረጋግፁ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ።

እቶም ፕረዚደንት ምስ ኬንያ ኣብ ዘካየድዎ ቓለ መጠይቕ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ተረባሕነት መናእሰይ ምችው ባይታ ብምፍጣር ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ መንእሰይ ምጥቃም የድሊ፡፡

እዚ ዕቑር ሓይሊ መንእሰይ ናብ ልምዓት ብምውፋር ኣህጉረ ኣፍሪካ ተረባሒት ትኾነሉ ዕድል ምፍጣር የድሊ ዝበሉ ኡሁሩ ኬንያታ ስራሕ ኢንቨስትመንት ብምክያድ ስግግር ማክሮ-ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብሓይሊ ሰብ ምርግጋፅ ከምዝካኣል ተዛሪቦም፡፡

ኣፍሪካ ሐዚ እውን ሰፊሕ ዕድልን ፀጋታትን ኣለውዋ ዝበሉ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ እዚ ብዝግባእ ንምጥቃም ድማ ኣብ መናእሰይ ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ምክያድ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡