ፕረዚደንት ኣሜሪካ ደናልድ ትራምፐ ኣብ ጉባኤ ኔቶ ክሳተፉ እዮም

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኔቶ ንምስታፍ ናብ ለንደን ከምዘምርሑ ተሓቢሩ፡፡

ዋይት ሃውስ ከምዝገለፆ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሰሜን ኣትላንቲክ ቓል ኪዳን (ኔቶ) ንምስታፍ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ መጀመርታ ናብ እንግሊዝ ከምርሑ እዮም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕብረትን መፃኢ ዕድል እቲ ትካልን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ዝገለፁ ፀብፃባት መራሕቲ ኔቶ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ካብ 2-4 ታሕሳስ 2019 ዓ/ም/ፈ ኣኼባ ከምዝካየዱ ዥንዋ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣፍሪካ ኣብ ኔቶ ንምፅናሕ ዘለዎ ድልውነት ይንኪ ከምዘሎ ዝሓበሩ ፀብፃባት ብፍላይ ምስ በጀት እቲ ትካል ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበላ ኣባል ሃገራት ኔቶ ሕቶ የልዕላ ከምዘለዋ እዩ ዝግለፅ፡፡

ኣብ 1949 ዓ/ም/ፈ ብ12 ኣባል ኣገራት ዝተጣየሸ ሰሜን ኣትላንቲክ ቓል ኪዳን (ኔቶ) ኣብዚ ሐዚ እዋን 29 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኮይኑ ሞንቴኔግሮ ኣብ 2017 ዓ/ም/ፈ ናብቲ ውድብ ዝኣተወት ሃገር እያ፡፡