ጉጅለ ብርክስ ንዓለምለኻዊ ውፅኢታዊ ልምዓት ሓጋዚ እዩ ፕረዚደንት ስሪል

መቐለ 06 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ሓበራዊን ቐፃልነት ዘለዎን ልምዓት ንምርግጋፅ ዝበፅሖ ስምምዕ ዓለምለኻዊ ውፅኢታዊ ልምዓት ንምምፃእ ዝሕግዝ እዩ ንዝበሉ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ገሊፆም፡፡

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎሳ ኣብ ብራዚል ድሕሪ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ከምዝበልዎ ሃገራት ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ብኣባልነት ዝሓቖፈ ጉጅለ ብሪክስ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ፡፡

እተን ሃገራት ዓለምለኻዊ ንግዳዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ንምጉልባት ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብራ ከምዘለዋ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎሳ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዝሓሸ ምትሕብባር ይፍጠር ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡

ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ 5ተ ኣብ ቕልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኮይኑ 42 ሚኢታዊ በዝሒ ህዝብን 18 ሚኢታዊ ዓለምለኻዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ክሕዛ እየን፡፡