መሓመድ ሳፋዲ ቀፃሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ

መቐለ 05 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሰለስተ ውድባት ሊባኖስ መሓመድ ሳፋዲ ቀፃሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ንክኾኑ ተስማዕሚዖም፡፡

ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ፀሪሑ CGTN ከምዝፀብፀቦ ነበር ሚኒስትር ፋይናንስ ሊባኖስ ቀፃሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ንክኾኑ ትማሊ ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለው፡፡

እቶም ውድባት እታ ሃገር ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ክሓርዩ ተገዲዶም ዘለው ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሳዓድ ኣል ሃሪሪ ብዝበፅሖም ህዝባዊ ተቓውሞ ስልጣኖም ብዓርሰ ፍቓዶም ምልቃቖም ስዒቡ እዩ፡፡

እቶም ውድባት መሓመድ ሳፋዲ ቀፃሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ንክኾኑ ካብ ምስምዕመዖም ብዝዘለለ ዝሃብዎ ዕላዊ መግለፂ ግን ከምዘየለ እዩ CGTN ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡