ሽቶታት ጥዕና 2030 ንምዕዋት ክስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ 01 ሕዳር 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)    ዓለምለኻዊ ሽቶታት ጥዕና ንምዕዋት ኩሉ ዘካተተ መድረኽ ክካየድ ከምዝግባእ ውድብ ጥዕና ዓለም ፀዊዑ።   ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከምዝገለፅዎ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ኣብ ጥዕና ዝተቐመጡ ሽቶታት ፈለማ ክዕወቱ ይግባእ።   ሽቶታት ጥዕና ንምዕዋት ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ መድረኽ ክካየድን  ሕብረተሰብ ክዛራረበሉን ከምዝግባእ’ዩ ዶክተር ቴድሮስ ፀዊዖም ዘለው።   ዓለምለኸ ሽፋን ጥዕና ንምርግጋፅ ማሕበረሰብ ዓለም ጠመተ ክህበሉን ብፍላይ ንድሕሪት ኣብ ዝተረፉ ዘይማዕበላ ሃገራት ዘሎ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ ዝተርፍ ነገር ከምዘሎ ኣመልኪቶም።   ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ህፃናት ደቂ ኣንስትዮን ብበዝሒ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከምዝቃልዑ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ቴድሮስ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ተሓባቢሩ ክሰርሕ ፀዊዖም።   መበል 24 ኣኼባ ምሕዝነት ጥዕና ኣደታት፣ዕሸላትን ህፃናትን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብ ጥዕና ዝተቐመጡ ሽቶታት ዘላቂ ልምዓት 2030 ብትኹረት ከምዝተዛተየሎም ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።