ወፍሪ ልምዓት መስኖ ምስላጥ ተጀሚሩ

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ወረዳ ኦፍላ ዝተጠናኸረ ወፍሪ ምግፋሕ ልምዓት መስኖ ይሳለጥ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻ ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 5ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ መደብ ተታሒዙ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ማሕረስን ምልስላስን ከምኡ’ውን ምድላው ፈልስን እናተሳለጠ እንትኾን ስራሕቲ ፀረጋ ካናልን መትረባትን ምጉልባት ፍልፍላትን ቅድም ክብል ከምተወገነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረዲኡ።

ብተኽሊ በርበረ ኣብ ዝፍለጣ ጣብያታት ዛታ፣ፋላ፣ዓዲ ሹምበርክትን ካልኦትን ድማ ተኸላ ፈልሲ ቅድሚ 2 ሰሙናት ኣቢሉ ከምተዛዘመ ዘመልከተ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኮስኳስን ካልእ ክንክንን ተጠናኺሩ እናቐፀለ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።