መረፃ ህዝቢ ውሳነ ሲዳማ ሎሚ’ውን ክቅፅል’ዩ

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መረፃ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ብሰላም ክዛዘም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቦርድ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት እናተሓተተ ዝመፀን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ደፊኡ ናብ መድረኽ ዝወፀን ሕቶ ክልል ምዃን ዞባ ሲዳማ መፃኢ 10 ሕዳር 2012 ውሳነ ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘክእል መረፃ ክካየድ ትልሚ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣዶ-ወንበር እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚዶቆስ ትማሊ ኣማስየን ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ከምዝበልኦ ምልዕዓል እቲ መረፃ ተጀሚሩ ኣሎ፣ዛጊድ እውን ዝተርኣየ ፀገም የለን።

ንዕውትነት እዚ መረፃ ልዕሊ 6ሽሕ ሰባት ስልጣኖም ከምዝተዋፈሩን ኣብ ዘዝተመደብሉ ቦታ ኣትዮም ስራሕ ከምዝጀመሩን ተገሊፁ።ነዙይ ክበሃል እውን ብሓፈሻ 1ሽሕን 782 ማእኸላት ተጣይሸን ናብ ስራሕ ከምዝኣተዋ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።