መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ዕድጊት ቲኬት በረራታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንምዝማን ይሰርሕ ኣሎ

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ዕድጊት ቲኬት በረራታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንምፍፃምን ዘመናዊ ንምግባርን ዘኽእል ስምምዕ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ተፈራሪሙ።

እቲ ዝተፈላለዩ ዘመናዊ ቴክኖሎጅታት ተጠቒምካ ኣማራፅን ዘመናዊ ስርዓት ዕድጊት ቲኬትን ክህሉ ዝገብር ስምምዕ እቲ መንገዲ ኣየር ዝሃቦ ኣገልግሎት ቕልጡፍን ተበፃሕን ንምግባር እውን ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ኣይተ ተወልደ ገ/ማርያምን ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ኣይተ ባጫ ጊናን እዮም።

ኣብቲ እዋን ዝተፈፀመ ስምምዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ሜላ ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ብምክያድ ዘመናዊን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ክኸውን ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ልዕሊ 22 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ ኮይኖም ካብዚኦም 30 ሚኢታዊ ኣማራፂ ዲጂታል ክፍሊት ዝጥቀሙ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።