ልዕሊ 200 ሽሕ ህፃናት ሶማልያ ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም ተባሂሉ

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ሶማልያ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ንዝተጠቕዑ ልዕሊ 200 ሽሕ ህፃናት ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድሊ ው/ሕ/መ ፀዊዑ

እቲ ውድብ በቲ ሓደጋ ንዝተመዛበሉ ኣስታት 370 ሽሕ ዜጋታት ሶማልያ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ድማ ገሊፁ

ከም ሓበሬታ ትካል መድሕን ህፃናት ው/ሕ/መ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ሶማልያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ካብ ዝተመዛበሉ ኣስታት 1 ሚልዮን ዜጋታት እቶም 200 ሽሕ ህፃናት እዮም ።

እዞም ህፃናት ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግን ብሓደጋ ውሕጅ ንዝመፁ ሕማማትን ከይቃልዑ ዘስግእ ምዃኑ ዝገለፀ ው/ሕ/መ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ መፅለልን ምግብን ከምዘጋጠሞም የመላኽት።

ኣብ ኣስታት 547 ሽሕ ህዝቢ ሓደጋ ዝበፅሐ ሓደጋ ውሕጅ ሶማልያ እቶም 370 ሽሕ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከምዝገበረ ተገሊፁ።