ሩስያን ህንድን ክሳብ 2030 ዓ/ም/ፈ ቴክኒካዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ተፈራሪመን

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሃገራት ሩስያን ህንድን ክሳብ 2030 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ዙርያ ቴክኒካዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

ማዕኸን ዜና ዥነዋ ከምዝፀብፀቦ 2ቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ ቴክኒካዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ዘለወን ርክብ ዝተጠናኸረ ክኸውን ክሳብ 2030 ዓ.ም.ፈ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በፂሐን ኣለዋ።

ምክትል ሚኒስትር መከላኸሊ ሰራዊት ሩስያ ዩሪ ቦሪሶቭ ምስ ህንዳዊ መዝናኦም ሚኒስትር ምክልኻል ህንዲ ራጅናት ሲንግ ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ኣብ ቴክኒካዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ዘትዮም።

ኣብቲ እዋን 2ቲአን ሃገራት ካብ ደጋዊ ሓይሊታት ንዝመፁወን ፅዕንቶታት ንምምካት ሓበራዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ዝጀመራ ኮይነን እዚ ድማ ብቐንዱ ኣብ ቴክኒካዊ መዳይ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተሓቢሩ ።