ንሶርያውያን ተመዛበልቲ ዝውዕል ሓገዝ 32 ሚልዮን ዶላር የድልየን ኢሉ-ውድብ ሕቡራት መንግስታት

መቐለ 26 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ብሰንኪ ኲናት ንዝተመዛበሉ ሶርያውያን ዝውዕል ሓገዝ 32 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቓል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስቴፈን ጁጃሪክ ብሰንኪ ኲናት መረበቶም ገዲፎም ዝተመዛበሉ ኣስታት 900ሽሕ ሶርያውያን ህፁፅ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይፅበዩ ምህላዎም ገሊፆም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ድማ እቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝ ካብ ዘድሊ በጀት እቲ 40 ሚኢታዊ ወይ ድማ 32 ሚልዮን ዶላር ጉድለት ከምዘሎን ካብ ለገስቲ ትካላት ክርከብ ትፅቢት ከምዝግበርን ኣመልኪቶም።

ኣብ ሶርያ ብዘሎ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ድማ እቶም መረበቶም ገዲፎም ዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ንምብፃሕ ዓርሱ ዝኸኣለ ዜና ኮይኑ ከምዘሎ እዩ ፀብፃብ ዥንዋ ኣመልኪቱ ዘሎ።