ኣየርላንድ ንመርሃ ግብረ ሴፍትኔት ኢትዮጵያ 10 ሚልዮን ዩሮ ክትህብ’ያ

መቐለ 15 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣየርላንድ ንውፅኢታዊ መርሃ ግብሪ ሴፍትኔት ኢትዮጵያ ዝውዕል 10 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ እትገብር’ያ።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር 2012ዓ.ም ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ከምዝወሃብ ድማ ተገሊፁ።

ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ገንዘብን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ሓላፊ ዓለምለኸ ኤጀንሲ ሓገዝ ኣየርላንድ (ኣይረሽ ኤይድ) ኣብ ኢትዮጵያ ፓትሪክ ማከ ማነስን እዮም።

ውፅኢታዊ መርሃ ግብሪ ሴፍትኔት 4ተ ምዕራፋት ዘለውዎ ኮይኑ ካብ 2015ዓ.ም.ፈ ክሳብ 2020ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘለው ዓመታት ተግባራዊ ዝኸውን’ዩ።

ብመንግስቲ ኣየርላንድ ሓገዝ ዝግበረሉ እቲ ፕሮግራም እቲ ሐዚ ዝወሃብ ሓገዝ 10 ሚልዮን ዩሮ ድማ ኣብ 2019/20 ንዝሰርሑ ስራሕቲ መፈፀሚ ዝውዕል’ዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብን ቁጠባዊ ልምዓትን ኣይተ ኣድማሱ ነበበ እቲ ሓገዝ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፀገም ውሕስና ምግቢ ንዘለዎም ወገናት ብዘላቕነት ንምሕጋዝ ዝውዕል’ዩ ኢሎም።

ሓላፊ ማክ ማነስ ብወገኖም እቲ ሓገዝ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ፓትሪክ ማክ ማነስ ብወገኖም እቲ ሓገዝ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ዘሎ ልምዓታዊ ምትሕብባር ዘጠናኽር ምዃኑ ሓቢሮም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።