ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም መበል ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዝዛዘመ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ብብርኪ ዓለም ኣብ ኳታር፣ ዶሃ ካብ 16 ክሳብ 25 መስከረም 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ መበል 17 ዙር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ መበል ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዝዛዘመ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝተሳተፈሉ መድረኽ ውድድር፥ ክልተ ወርቂ፣ ሓሙሽተ ብሩርን ሓደ ነሃስን ብድምሩ ሸሞንተ መዳሊያታት ብምእካብ ብብርኪ ዓለም መበል ሓምሻይ ብብርኪ ኣፍሪካ ድማ መበል ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ምዝዛሙ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መዕር%ፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣዲስ ኣበባ አንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፣ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ገብረእግዚአብሄር ገብረማርያምን ተረኺቦም።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ መርሃ ገብሪ ነቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሸልማት ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

ኤፍ ቢ ኣይ