ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ፀገም ኣብ ሰኔጋል ዓሪፋ

መቐለ 28 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ኣብ ሰኔጋል ክትዓርፍ ከምዝተገደደት ተገሊፁ።

እታ ትማሊ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሰኔጋል ክትዓርፍ ዝተገደደት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ፀገም ቴክኒክ ከምዝኾነ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ ኣሎ።

B767-300 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁፅሪ በረራ ET908 ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድያስ ሰኔጋል ተበጊሳ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢላ ናብ ማሊ ከተማ ባማኮ እናተጓዓዘት እናሃለወት ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ናብ ሰኔጋል ተመሊሳ ክትዓርፍ ከምዝተገደደት መግለፂ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣሎ።

በቲ ፀጋጠመ ፀገም ግን ኣብ ተጓዓዝቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ እዩ ፀብፃብ CGTN AFRICA ፀብፂቡ ዘሎ።