ዉድባት ፖለቲካ ብሓላፍነት ክንቀሳቐሱይግባእ- ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

መቐለ 28 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዝመፅእ ሃገራዊ መረፃ ዝሳተፉ ዉድባት ፖለቲካ ሓላፍነት ብዝተመልኦ መንገዲ ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣገንዚበን።

ኣብ ሃገራዊ መረፃ ግደ መዳርግቲ ኣካላት ዘድሃበ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ ኮንፈረንስ ሃገራዊ መረፃ 2012 ዓ.ም ዴሞክራሲያዊ ፣ ነፃን ተኣማንነት ዘለዎን ኮይኑ ንክፍፀም ምእንቲ ክከኣል ኣብቲ ዓውዲ ዉህሉል ልምዲ ካብ ዘለወን ሃገራት ተመኩሮ ንምውሳድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸባ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴቐፃሊ ሃገራዊ መረፃ ብዕዉት መንገዲ ንምክያድ ብሓሳብ ብምዉድዳርንተመኩሮ ካልኦት ሃገራት ብምውሳድን ኣገዳሲ እዩ ኢለን።

ዉድባት ፖለቲካ ድማ ሓላፍነት ብዝተመልኦ መንገዲ ክንቀሳቐሱ ይግባእ ዝበላ እተን ፕረዚዳንት ንዉድድር ዝቐርቡ ሓሳባት ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ክኾኑ ከምዝግባእ እዉን ኣገንዚበን እየን።

ኣካቢት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ብወገነን ሃገራዊ መረፃ 2012ዓ.ም ዴሞክራሲያዊ፣ ግልፅን ተኣማንን ኮይኑ ንኽካየድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዉዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።