ምህርቲ ነዳዲ ኢኳዶር ብ75ሚኢታዊ ነክዩ ተባሂሉ

መቐለ 28 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ምህርቲ ነዳዲ ኢኳዶር ብ75ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘርኣየ ሚኒስቴር ነዳዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነዳዲ ብልዑል መጠን ካብ ዘፍርያ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ሓንቲ ዝኾነት ኢኳዶር ካብ እተፍርዮ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ 165 ሽሕ በርኚል ምንካይ ከምዘርኣየ ሓቢራ ኣላ።

ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ብዘሎ ሓያል ተቓዉሞ ሰልፈኛታት ናብ ፋብሪካታት ነዳዲ ብምእታው ሓደጋ እናብፅሑ ከምዝርከቡን ትካላት መፍረይቲ ነዳዲ ስራሐን ብኣግባቡ ምስራሕ እናተፀገማ ከምዝኾናን ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ቁጠባ ኢኳዶር ዝለዓለ ቦታ ዝዉንን ፍርያት ነዳዲ ምንካይ ምርኣዩ ንቑጠባ እታ ሃገር ክሃስዮ ከምዝኽእል ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምግላፅ ይርከብ።