ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ተምሃሮ ዝኣትዉሉ ዕለት ዕላዊ ገይሩ።

መቐለ 27 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣብዚ ሓዱሽ ዘበነ ትምህርቲ ብስሩዕ ዝመሃሩ ሓደሽቲ ተምሃሮ ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ካብ 8-9 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ ክልተ መዓልታት ምዝገባ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

ተምሃሮ ቅድመ ምረቓ ኮይኖም ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ዝተመደቡ ተምሃሮ ደቂ ተናዕትዮ ስሞም ካብ A ክሳብ Dዝጅምር ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ A ክሳብ E ዝጅምር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ቀፅሪ ሽረ ካብዚ ወፃኢ ዝኾኑ ድማ ኣብ ዋና ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ንክምዝገቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።