ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዘትዮም።

መቐለ 27 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነር ኣብ ዘላቒ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ምሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዘትዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዑደት ዘካየዱ ኣምባሳደር ማይክ ራይነር ምስ ምስ ምሁራንን ኣመራርሓን እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝዘተዩሎም ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጉዳይ ዘላቒ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ሓደ እንትኸዉን እቶም ምሁራን ሞያዊ መብርሂ ሂቦም እዮም።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ጉዳይ መርገፂ ዉድቦምን መንግስቶምን ኣብሪሆም እዮም።

ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ድማ ኣሜሪካ ንዩኒቨርሲቲ መቐለ እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኣመስጊኖም እዮም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣምባሳደራት ብርክት ዝበላ ሃገራት ፓስፊክ ኤስያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት፣ ቱሪዝም፣ ሰላምን ፀጥታን ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ከም ዝዘተዩን ዝዝከር እዩ።