ባንኪ ዓለምን ሊባኖስ 120 ሚልዮን ደላር ሓገዝ ሂቡ

መቐለ 26 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ባንኪ ዓለም ንማእኸላት ሕክምና ሊባኖስ ዝዉዕል 120ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ሊባኖስ ጀሚል ጀቫክ ከምዝበልዎ ባንኪ ዓለም ንመማልኢ ናውቲ ሕክምና ትካላት ጥዕና ሊባኖስ ዝዉዕል 120ሚልዮን ዶላር ንምልጋስ ወሲኑ ኣሎ።

ቁጠባ ሊባኖስ ምትሓቱ ስዒቡ ዜጋታት ሊባኖስ ዝተፈላለየ ዓይነታት ናውቲ ሕክምና ብቐሊሉ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ባንኪ ዓለም ሐዚ 120ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምግባሩ ድማ ዝሓሸ ኣገልግሎት ክርከብ ከምዘኽእል ሓቢሮም።

መንግስቲ ሊባኖስ ክሳብ ሐዚ ን220 ማእኸላት ጥዕናን ተገልጋሊ ማሕበረሰብን ወፃኢኡ እናሸፈነ ከምዝመፀ እዉን እቶም ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም።