ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝጥቀማሉ ማእኸል ሕክምና መንሸሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክህነፅ እዩ……

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝጥቀማሉ ማእኸል ሕክምና ሆስፒታል ሕማም መንሸሮ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክህነፅ እዩ።

እቲ ሆስፒታል ብልዕሊ 450 ሚልዮን ዶላር ዝህነፅ እንትኸውን ህንፀቱ ኣብ 3ተ ምዕራፋት ተኸፋፊሉ ከምዝካየድ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ሎምዓንቲ ህንፀት እቲ ሆስፒታል ንምጅማር ዘኽእል መድረኽ ዘተ መተኣኻኸቢ እቶት ተወከልቲ ኣባል በይነ መንግስታት ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኻየደ FBC ፀብፂቡ።

ኣብቲ መድረኽ ድማ ኢትዮጵያ ደረጃኡ ዝሓለወ ሆስፒታል ሕማም መንሸሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ዝለዓለ ሓገዝ ከምትገብር ኣፍሊጣ።

ካብዚ ብዝሰገረ ንህንፀት እቲ ሆስፒታል ዝኸውን መሬት ንምድላውን ሓገዝ ገንዘብ ንምግባርን ቓል ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።