እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ብሓባር ክሰርሓ እየን………

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) እንግሊዝ ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ገሊፃ።

ኮምሽነር ኮሚሽን ንግዲ ኣፍሪካ እንግሊዝ ኢማ ዌድ ሳሚዝ ከምዝገለፀኦ ሃገረን ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ተዛሪበን።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ምሕደራን ብሓባር ንምስራሕ ከምእትደሊ ሓቢረን።

ክልቲኤን ሃገራት ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወን ዝገለፃ እተን ኮምሽነር ኣብዚ ሐዚ እዋን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር ሓበራዊ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ድማ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣቭየሽን ብተወሳኺ ኣብ ምውህሃድ ምህርቲ ሕርሻ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይልን ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዋ ኣረዲአን።

ሰብ ሃፍቲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፅታትን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ብምርኣይ ሃፍቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍሩ እንግሊዝ ሓገዝ ከምትገብር ሓቢረን ክብል ፀብፃብ FBC የመላኽት።