ቱርኪ ሩስያን ኢራንን ኣብ ጉዳይ ሶርያ ክዝትያ እየን………..

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሃገራት ሩስያ፤ ቱርክን ኢራንን ኣብ ጉዳይ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ሶርያ ሓዱሽ ዘተ ክጅምራ እየን።

እቲ ሰለስቲኣዊ ዘተ ብቐንዱ ኣብ ሶርያ ብመሰረት ዝረአ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ስደተኛታት ሶርያ ዳግም ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይጵ ኤርዶጋን ገሊፆም።

ቅድሚ እቲ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፕረዚደንት ረሲጵ ጠይጵ ኤርዶጋን ቭላድሚር ፑቲንን ሓሰን ሮውሃኒን ብተናፀል ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሶርያን ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለን ከምዝዝትዩ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ንምዝታይ ን5ይ ግዜ ከምዝራኸቡ ድማ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመልክት።