ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ምቹዋት ንምግባር ይስራሕ ኣሎ…

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቹዋት ዝኾናሉ ባይታ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ማሕበራዊ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰ ከምዝገለፁዎ ኣብታ ዞባ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቹዋትን ብተምሃሮ ዝፍተዋን ክኾና ንምግባር ጠመተ ተዋሂቡ እንዳተሰርሐ እዩ።

ዛጊድ ድማ 154 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ፆታ ዝፈለየ ሽቓቕ፣126 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ሓፁር፣116 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ቤተ ንባብ፣87 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተማልአ ጨንፈር ማእከል፣47 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ቤተ ፈተነ ክስርሐለን ክኢሉ ‘ሎ።

ከምኡ ‘ውን 26 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ፆታ ዝፈለየ ሽቓቕ፣24 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ ፈተነን ሓፁርን፣23 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ ንባብ፣15 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ጨንፈር ማእከል ክህልወን ከምዝተገበረ ኣይተ እልፍዮስ ሓቢሮም።

ይኹን ‘ምበር ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ውሽጣዊ ትሕዝቶኦም ዘይተማልአ ኣብያተ ንባብ፣ኣብያተ ፈተነ፣ጨንፈር ማእኸላትን ሒዘን ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ኣማኻሪ ሽቓቕ፣ሓፁር፣ቤተ ፈተነ፣ቤተ ንባብን ጨንፈር ማእኸልን ዘይብለን ኣብያተ ትምህርቲ ‘ውን ውሑዳት ከምዘይኮና ኣረዲኦም።

ብምዃኑ’ውን ሽቓቕ፣ቤተ ንባብ፣ሓፁር፣ቤተ ፈተነን ጨንፈር ማእከልን ብዝግባእ ዘይተማልአለን ክማልአለን፣ፈፂሙ ዘይተሰርሐለን ድማ ክስርሐለን ንምግባርን በዚ ኣቢልኻ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቹዋት ዝኾናሉ ባይታ ንምፍጣርን ይስራሕ ከምዘሎ ኣይተ እልፍዮስ ተዛሪቦም።

በዚ መዳይ መንግስቲ ምስ ዝገብሮ ፃዕሪ ጎናጎኒ ነበርቲ ‘ታ ዞባ ልሙድ ተሳትፎኦም ንከሐይሉ እቶም ኣማኻሪ ፀዊዖም።

ኣብታ ዞባ 352 ቀዳማይ ብርክን 36 ካልኣይ ብርክን ብድምሩ 388 ህዝቢ ዝግልገለለን መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘለዋ ንምፍላጥ ትኻኢሉ።