ሰለስቲኣዊ ኣኼባ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ተሳሊጡ…

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሰለስቲኣዊ ኣኼባ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ካይሮ ተኻይዱ።

እቲ ኣኼባ ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት ሚኒስትራት ጉዳይ ማይን መስኖን ኢነርጅን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2011ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘካየድዎ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ዝተገበረ ዘተ ዝቐፀለ እዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ዶክተር ስለሺ በቀለ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ኢትዮጵያ ብቕኑዕ ልቢን ናይ ምትሕብባር ድሌትን ዝገበረቶ ፃዕሪ ገሊፆም።

ናይዚ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ምቕፃል ኣብዚ ጉዳይ ዝብፃሕ ምርድዳእ ናይተን ሃገራት ማዕረ ተጠቓምነት ንምኽባር ወሳኒ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

እቲ ዘተ ብዋንነት ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተረፉ ጉዳያት ቴክኒክ ብሰብ ሞያ ዝቐረበ ፀብፃብን ምኽረ-ሓሳብን ተመልኪቱ ቐፀልቲ ኣንፈታት ንምቕማጥ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሚኒስትር ማይ ግብፂ ዶክተር መሓመድ ዓብደላ ብወገኖም ንልኡኻት ጉጅለ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ምትሕብባር ንኻልኦት ሃገራት እውን መርኣያ ከምዝኾን ዘለዎም ተስፋ ሓቢሮምሎም።