10 ነጥቢ 8 ኪሎ ግራም መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ተባሂሉ…….

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ብዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቢሉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ ዝነበረ 27 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት 10 ነጥቢ 8 ኪሎ ግራም መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምውዓሉ ኮሚሽን ጉምሩክን ሚኒስቴር እቶትን ኣፍሊጦም።

ተቖፃፀርቲ ጉምሩክ ብዝገበርዎ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓለ ሄሮይንን ኮኬይንን ዝተብሃሉ መዐወኒ ሓሽሻት እዮም።

እቶም መዐወኒ ሓሽሻት ሓደ ናይጀርያዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቐ ሰብ ኣብዝሓዞ ሻንጣ ሓቢኡ ንምሕላፍ እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝርከብ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ጉምሩክ ጨንፈር ቦሌ ኣይተ ተገኔ ደረሰ ሓቢሮም።