ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ጥቓ መማዕበሊ ሚሳይል ኢራን ከም ዘሎ ተገሊፁ…

መቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ጥቓ ከባቢ ማእኸል መማዕበሊ ሚሳይል ኢራን ከም ዘሎ ኢራን ኣመልኪታ።

ሓደ ላዕለዋይ ኮማንደር ሰራዊት ምክልኻል ኢራን ዝሓበርዎ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣንፃር ኢራን ንምቅላስ ኣብ ከባቢ ማእኸል መማዕበሊ ኒኩሌራዊ ሚሳይል ኢራን ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ኮማንደር ሰራዊት ምክልኻል ኢራን ክፍለ ክሊ ኣየር ኣሚር ዓሊ ሓጂ ዛዲ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተዋጋእቲ ነፈርቲ ተሸከምቲ መራኽብ ፣ ተዋጋእቲ መራኽብን ካልኦት ኣፅዋራትን ኣብ ቀረባ ርሕቐት 2 ሽሕ ካሬ ሜትር ከም ዘለዋን ብራዳር ድማ ቁፅፅር ይግበረለን ምህላውን ገሊፆም።

እተን መራኽብ ዝኾነ ፈተነ ንምክያድ እንተሓሲበን ብሓደ ግዘ ንኹለን ዘዕኑ ሚሳይል ተዳልዩ ከም ዘሎ ድማ ኣጠንቂቖም።

ኣሜሪካውያን ካብ ግዝኣት ኢራን ወፃኢ ኣስታት 400 ካሬ ሜትር ርሕቐት እንተበፂሖም ንማእኸል መማዕበሊ ኒኩሌር ኢራን ከጥቅዑ ሓሳብ ከም ዘለዎም ዝገለፁ እቶም ኮማንደር ኣብ ዝኾነ ይኹን ርሕቐት ዋላ ይሃልዉ ብሚሳይል ኢራን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ግና ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም።

ኢራን ኩሉ ግዘ ምስ ኣሜሪካ ኵናት ንምግጣም ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።