ወዲ ኦሳማ ቢንላደን ቀቲለ ኢላ - ኣሜሪካ…

መቐለ 04 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣሜሪካ ብዝካየደቶ ወፍሪ ወዲ ኦሳማ ቢንላደን ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ከምዘፍለጥዎ ወዲ ኦሳማ ቢንላደን ሃምዛ ቢንላደን ኣብ መንጎ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ወፍሪ ኣንፃር ኣሸበርቲ ክቕተል ክኢሉ እዩ።

ሃምዛ ቢንላደን ምሟቱ ድማ ኣልቃዒዳ ዘድሊ ብቑዕ መሪሕነት ከይረክብ ብምግባር ናይቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ምንቅስቓስ ዘዳኽም ከምዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።

ይኹን እምበር እቲ ወፍሪ መዓዝ ከም ዝተኻየደ ግን ዝተገለፀ ነገር የለን ከም ፀብፃብ CGTN።