ኬንያ ኽታበት ሕማም ዓሶ ምሃብ ጀሚራ…

መቐለ 03 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኬንያ ኣብ ትሕቲ ኽልተ ዓመት ህፃናት ንዝረኣ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘኽእል ዝተብሃለ ብደረጃ ዓለም ፈላማይ ዝኾነን ኽታበት ዓሶ ከምዝጀመረት ተሓቢሩ።

እቲ ኽታበት ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ሆማ በይ ኣብ ዝተብሃለ ክልል ዕላዊ ከምዝኾነ ድማ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

እዚ ዕላዊ ዝኾነ ኽታበት ድማ ኬንያ ነቲ ኽታበት ምሃብ ካብ ዝጀመራ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ክትኸውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ጥዕና ክብሪ ኬንያ ሲሲልይ ካራኩ ከምዝበለኦ እቲ ዝውሃብ ኽታበት እታ ሃገር 80 ሚኢታዊ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝብል ዝሓዘቶ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ንምዕዋት ዘኽእል እዩ ክብላ ገሊፀን።

ሕማም ዓሶ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ኬንያ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ቐታሊ ሕማም እዩ።