ሩዋንዳ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ሞተር ሳይክላት ንምጥቃም ትሰርሕ ኣላ

26 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሩዋንዳ ብነዳዲ ዝሰርሓ ሞተር ሳይክላት ናብ ኤሌክትሪክ ንምቕያር ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ።

ብኤሌክትሪክ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ድማ ብብርኪ ዓለም ብቢልዮናት ዝግመት ዕዳጋ ክፈጥር ዝኽእል ኮይኑ ኣብ ሩዋንዳ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ድማ ሓዱሽ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ሩዋንዳ ተጀሚሩ ዘሎ ፖሊሲ ብኤሌክትሪክ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፕረዚዳንት እታ ሃገር ፖል ካጋሚ ፃውዒት ዘቕረቡ ኮይኖም ሰብ ሃፍቲ ድማ እቲ ፀጋ ንምጥቃም ብሃንቀውታ ከምዝተቐበልዎ ይግለፅ ኣሎ።

ኣምፕረሳንድ ዝተብሃለ ኩባንያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ድማ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣብቲ ዕዳጋ ተዋፊሩ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከባ ሞተር ሳይክላት ካብ ነዳዲ ናብ ኤሌክትሪክ ብምቕያር ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ንመርኣያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 10 ሞተር ሳይክላት ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ከምዘውዓለ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዕሊ 3 ሚልዮን ተጠቀምቲ ሞተር ሳይክል ከምዘለዉ ፀብፃብ ኣፍሪካን ኒወስ ኣመልኪቱ።