ሞሮኮ በዓል ዒድ ምኽንያት ብምግባር 350 ተሃነፅቲ ይቕርታ ገይራ።

6 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)መንግስቲ ሞሮኮ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ምኽንያት ብምግባር ን350 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቅርታ ክወፁ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።   ንጉስ ሞሮኮ ከንግ መሓመድ 4ይ ኣብ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ን350 ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከም ዝወሰኑ ሚኒስትር ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።    እቶም ተሃነፅቲ ገሊኦም ተበይንሎም ካብ ዝነበረ ማእሰርቲ ክንከዮሎም ገሊኦም ድማ ጠቕሊሎም ንክፍትሑ ከም ዝተገበረ እውን ተሓቢሩ እዩ።   በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ሎሚ ብድሙቕ ኣብታ ሃገር ከም ዝኽበር እውን ካብቲ መግለፂ ንምርዳእ ተኻኢሉ እዩ።