ሰብ ዋና ምህዞ ፍልጠቶም ኣትሒዞም ልቓሕ ንክረኽቡ ይሰራሕ ኣሎ።

መቐለ 03 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ሰብ ዋና ፈጠራ ፍልጠቶም ብመልክዕ ንብረት ብምትሓዝ ኣገልግሎት ልቓሕ ክረኽቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ኣእምራዊ ንብረት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዴይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኤርሚያስ ሃይለማርያም ከምዝገለፅዎ ሰብ ሞያ ፈጠራ ፍልጠቶም ብምምዝጋብ ካብ ባንኪታት ልቓሕ ብምርካብ ክሰርሕሉ ዘኽእል ኣሰራርሓ ንምጅማር ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም።

ከም ገሊፃ እቶም ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት 38 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓዘን ማእኸሉ ሙኒክ ምስ ዝገበረን ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኻዊ ፓተንት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከም ዝርከብን ሰብ ሞያ ፈጠራ ንምትብባዕ ልቓሕ ክመቻቸወሎም ዘኽእል ሰምምዕነት ድማ ከም ዝተፈራረሙ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመዝገቡ 3 ሽሕን 245 ተገልገልቲ እቶም 1 ሽሕን 980 ዝኾኑ ዜጋታት ወፃኢ ምዃኖም ዝተሓበረ እንትኾን ብብርኪ ዓለም ካብ ዝቐረቡ 3 ነጥቢ 1 ሚልየን ሕቶታት መሰል ፈጠራ እቶም 1 ነጥቢ 9 ሚልዮን ዝኾኑ ብቻይናውያን ዝቀረቡ ምዃኖም ፀብፃብ ኢዜኣ ኣመልኪቱ።