ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም እንግሊዝ ኣብ ማሊ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ክፀንሕ እዩ ተባሂሉ

መቐለ 03 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) እንግሊዝ ኣብ ማሊ ዘዋፈረቶ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ክፀንሕ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር እንግሊዘ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ማሊ ዝተዋፈረ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ፈረንሳይ ንምሕጋዝ ዘዋፈረቶ ሓይሊ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ማለት እውን ክሳብ 2020 ዓ/ም/ፈ ከምዝፀንሕ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

እንግሊዝ ኣብ ማሊ ንዝተዋፈረ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ፈረንሳይ ንምሕጋዝ ካብ 2018 ዓ/ም/ፈ ጀሚራ 100 ወታሃደራትን ወታሃዳራዊ ነፋሪትን ከምዝላኣኾት ይፍለጥ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ዘሎ ጎንፂ ልዕሊ ዓቕሚ ሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር ብምዃኑ ጎንፅታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ይስፍሕፋሑ ከምዘለዉ ድማ ፀብፃብ AFP ኣመልኪቱ።
ሚኒስትር ምክልዃል ሃገር እንግሊዝ ፔኒ ምርዳውንት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣብ ሃገራት ማሊ፣ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ዝረአ ዘሎ ግብረ ሽበራዊ ምንቅስቓሳት ንምምካት እቲ ዝተወሰነ ውሳነ ትክክለኛን እዋናውን ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣስታት 20 ሃገራት ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ወታሃደራተን ዘዋፈራ ኮይነን ካብዚኣቶም እቶም ዝተወሰኑ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሓቆፉ ምዃኖም ድማ ፀብፃብ RT News ኣመልኪቱ።